Public Affairs Videos
ዝተተርጎመ ናይ ህዝቢ ኣገልግሎት መወዓውዒ ፅሑፍ
ናይ ዲሞክራሲ ቨውቸር (Democracy Vouchers) ተቐቢልካዶ? እንተዘይተቐቢልካ፣ሕጂ እውን ክትሓትት ትኽእል ኢኻ!
ከተማ ሲያትል (City of Seattle) ንዝምልከቶም ናይ ሲያትል ነበርቲ ናይ $100 ዲሞክራሲ ቨውቸር (Democracy Vouchers) ይህብ ኣሎ፣ እቶም ነበርቲ እዚ ንባይቶ ከተማ ሲያትል ወይድማ ናይ ከተማ አማሓዳሪ ንናይ ከተማ ጠበቓነት ንዝወዳደሩ ሕጹያት ተመረጽቲ ይሕግዙሉ።
ብቑዕ ንምዃን፣ ናይ ግድን ናይ ሲያትል ነባራይ ክትከውን ኣለካ፣ ዕድሜኻ እንተወሓደ 18 ዓመት ክትገብር ኣለካ፣ ከምኡድማ ወይ ናይ ዩኤስ ዜጋ ወይድማ ብሕጊ ዝተፈቕደልካ ቀዋሚ ነባራይ ("ወናኒ ቀጠልያ ካርድ") ክትከውን ኣለካ።
ዝተመዝገብካ መራጻይ እንተኾንካ፣ እዞም ቮውቸራት ኣቐዲምካ ወሲድካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።
ቮውቸራትካ ኣይወሰድካን? ወይድማ ዲሞክራሲ ቨውቸር (Democracy Vouchers) ብካልእ ቋንቋ ክዳለወልካ ትደሊ? መተካእታታት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ ወይድማ ቮውቸራትካ በቶም ኣገልግሎት እንህበሎም 15 ቋንቋታት ክቐርቡልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ሎምዓልቲ ብ 206-727-8855 ርኸበና። ናይ ቋንቋ ደገፍ ንህብ ኢና።
ቮውቸራትካ ንመን ክትህቦም ትኽእል? ሙሉእ ዝርዝር ናይቶም ሕጹያት ተሳተፍቲ ኣብዚ ኣለካ። Visit seattle.gov/democracyvoucher ወይድማ ብ (206) 727-8855 ደዊልካ ብቋንቋኻ ኣስተርጓሚ ክቐርበልካ ሕተት።